Use APKPure App
Get Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ old version APK for Android
티 그리 냐어 수수께끼 티그리냐어 ሕንቅል ሕንቅሊተይ ብትግርኛ 에리트레아 에티오피아 ትግርኛ
ሕንቅል ሕንቅሊተይ ብትግርኛ
티 그리 냐어 수수께끼, 티그리냐어 수수께끼
ሕንቅልሕንቅሊተይ ... መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)
ሕንቅልሕንቅሊተይ ሓደ ሓሳብ ወይ ሕቶ ኾይኑ, ኣብ ውሽጡ ዝተሰወረ ወይ ድርብ መልእክቲ ዘለዎ ኢዩ. እቲ ናይ ብሓቂ መግለጺኡ እኳ ኣብ ክትዕ ዘሎ እንተኾነ ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይክእል, ሕንቅልሕንቅሊተይ ማለት ሓደ ባህላዊ ናይ ቃል ኣገላልጻ ኮይኑ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ገላጺ ክፋላት ክሕዝ ይኽእል, እዞም ጽምዲ ክፋላት ተጻረርቲ ክኾኑ ዝኽእሎ ኮይኖም, እቲ ዝሕተት ዘሎ ባእታ ከኣ ይግመት.
ሕንቅልሕንቅሊተይ ክልተ ዓይነት ኮይኖም, እቲ ሓደ ብተምሳሌታዊ ኣገላልጻ ዝግለጽ ኮይኑ ብጥንቃቀ ምሕሳብን ብልሕን ዘድልዮ ኢዩ. እቲ ካልኣይ ድማ ሕቶ ኮይኑ ኣብቲ ውጽኢት ናይቲ ናቶም ማንታ-ቓላዊ ወይ ናይ ዋዛ ኣገላልጻ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕቶ ወይ መልሲ ዝምርኮሱ ኢዮም.
ኣብ ሃገርና ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ዝነበረን ኣብ መላእ ዓለም እውን ናይ ነዊሕ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎ ኢዩ, ኣብ ብዙሕ እዋናት እውን ከም ዓለም ለኻዊ ስነጥበብ ይግለጽ. ኣብ ሃገርና ኣብ ነፍሲወከፍ ገዛ ከም መብልሒ ኣእምሮን ከም መዘናግዒን ዝዝውተር ዝነበረን ዘሎን ኢዩ.
ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝብል ሕቶ ብ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ ኣብ ናይዚ ሕጂ ወለዶ) ምስ ተመለሰ, እቲ ዝስዕብ ሓሳብ ወይ ሕቶ ይመጽእ, እቲ ዝሕተት ዘሎ እውን ይምልስ. ኣብ መንጎ ክልተ ሀን ለን ኢልና ዝሰመናዮም ሰባት, ሕንቅልሕንቅሊተይ ከመይ ከም ዝመስል ንርአ.
ሀ ሕንቅልሕንቅሊተይ
ለ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)
ሀ "ለይቲ ተሰሊማ ቀትሪ እትቕንጠጥ"ፍለጠለይ
ለ ሰማይ
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ኮይኑ, ኣገባብ ሕንቅልሕቅሊተይ የርእየና. ናይዚ ሕቶ ስውር ሓሳብ, ኣብቲ ናይ ኣብ ግዜ ለይቲ ዘሎ ብከዋኽብቲ ዝመጽእ ግርማ ናይ ሰማይ ዝተመርኮሰ ኢዩ.
Last updated on Oct 21, 2023
Minor bug fixes and improvements. Install or update to the newest version to check it out!
Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ
3.3 by Afromium Digital Solutions
Oct 21, 2023